የህወሃት የ2009 ዓ.ም የአፈጻጸም ሪፖርት – ከህወሃት ጽ/ቤት የወጣ መረጃ! (ትግርኛ)

Print Friendly, PDF & Email

የህወሃት ጽ/ቤት የ2009 ዓ.ም እንዲሁም 2009 ዓ.ም የ6 ወር የአፈጻጸም ሪፖርት (በትግርኛ የተጻፈ)

 

To download the full reports click on the following links

(ኣብ ፍሉይ ዞባ ህወሓት ቤት ፅሕፈት ናይ 6 ወርሒ 2009 ዓ/ም መደባት አፈፃፅማ ሪፖርት, pdf )

( ኣብ ፍሉይ ዞባ አ/ አበባ ህወሓት ቤት ፅሕፈት ናይ 2009 ዓ/ም ናይ መደባት አፈፃፅማ ሪፖርት, pdf )

 

ዝተልዓሉ ዓበይቲ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ኣብቶም መድረኻት

● አብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተላዓለ ህውከት ሰብ እናተዘረፈን እናተቐተለን ፌዴራል መንግስቲ ቁልጢፉ አትዩ ናይ ሕጊ ምኽባር ስራሕ ንምንታይ ዘይሰረሐ?

● አብ ጉንደርን ከባቢኡን አብ ዝነበረ ዕግርግር እቲ ነውፀኛ ሓይሊ ኣብ ተጋሩ ሓደጋእንተብፅሕ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ እንታይ ብፅሒት ነይሪዎ? ፌዴራላዊ መንግስቲ ንምንታይ ደንጉዩ አቲዩ? ህ.ወ.ሓ.ትን መንግስቲ ትግራይን እንታይ ይገብሩ ነይሮም? ሕዚኸ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ? ፌዴራል መንግስቲ ንህዝቢ ውሕስና ክኸውን ከምዘይኽእል አብ አምሓራን ኦሮሚያን ክልላት አብ ዝተፈጠረ ዕግርግር ተራእዩ እዩ፡፡ ቡዙሕ ምስተኸፈለ እዩ ዝእለ ዘሎ ብሱሩ ኸ መንግስቲ አሎ ዱዩ? ፌዴራል መንግስቲ ናይ ሕጊ ልዕልና ክኽበር፣ ሕገ መንግስቲ ክሕሎ ይገብር ?ንምንታይ ድአ እናተጥሓሰ ስቅ ዝብል? ዝተበደሉ ሰባት ከመይ ክካሕሱ ይሕሰብ ኣሎ?

● አብ ኣምሓራ ብዙሕ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ገባር ክፍቱ እናሸጠ እንተይተረፈ ዕጥቂ እንከገዘእን እንክዕጠቅን እናተገበረ ብኸልል መንግስቲ ፈቃድ እንተዋሃብ ፌዴራል መንግስቲ እንታይ ይገብር ነይሩ? ናይ ፀጥታ ሓይሊ ንምንታይ ስቅ ኢሉ ንምንታይ ኢዱ ዘየእተወ?

● መንግስቲ ናይቲ ዝፍጠር ዘሎ ዕግርግር ቀንዲ ምኽንያት ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ከምዝኾነ ድጋጊሙ እንዳገለፅ ይስማዕ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሕቶ ናይ ህዝቢ ድልየት እናወሰኸ ምስምኻድ ኩልሻዕ ክህሎ እዩ ስለዝኾነ ኩሉሻዕ ዕግርግር ክህሎ እዩ ማለት ድዩ? መበገሲ እዚ ዝፍጠር ዘሎ ዕግርግር ብደንቢ ተነፂሩ ድዩ? እቲ ቀንዲ ምኸንያት ናይ ትምክሕቲን ፅበትን ናይ ሓባር መጥቃዕቲ መግለፂ ዶ አይኮነን?

● መንግስቲ በአጠቃላሊ ናይ ሕጊ ልዕልና ናይ ምኽባር ድልውነቱን ዓቅሙን ብኸመይ ይግምጋም? አብ ዝተፈላለየ ከካቢታት ዝላዓሉ ዕግርግራት አብ ህይውትን ንብረትን ሓደጋ ክሳብ ዝብፅሑ በእዋኑ ስጉምቲ አብ ምውሳድ ዘሎ ፀገም፣ ሓልሓሊፉ ሕግታት ወፂዎም አብግብሪ ዘይምዋል ፀገማት ከጋጥሙ ይረእዩ/ይምለሱ/እዮም፡፡ ብዚ ድማ ሓድሓደ ሰባት ብፍላይ ፀላእቲ መንግስት የለን ክሳብ ዝብል ጫፍ ይኸዱ ዓቅሚ ይኾኖም አሎ ንምንታይ?

● ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ንድሕሪት ይምለስ አሎ፡፡ ንናይ ዉድብ ስራሕቲ ትኹረት አይተገበረሉን ካብ ሓይሊ ሰብ አመዳደብኡ ጀምሩ ንምንታይ ትኹረት አይተገበረሉን? ሚኒስተራት ይኹኑ ካልኦት አብ ዓብይ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዘሎው ብስራሕ ብተግባር ተመዚኖም ንምንታይ ዘይምደቡ፡፡ ንምኻኑ አመራርሓና እስትራቴጂክ አተሓሳስባ ሒዙ ድዩ ዝመርሕ ዘሎ?

● አባላት ኮይኖም ፀላእቲ /ሰርጎገብ/ የለዉን ድዮም? በቑዕ ናይ ምልመላን ህንፀትን ስራሕ ሰለዘይካየድ አባል ተገፊጡ አትዩ ወይ አይሰርሕ ወይ አያስረሕ ናይ ውድብ መሽጥር ክብትን ዘውዕል ዘሎ መፍተሒ ዘይግበረሉ፡፡

● አብ ናይ ወሰን ምክላል ክልቲኦም ክልላት እስካብ ሕዚ ክፈትሕዎ እንተዘይኪኢሎም ንምንታይ ብፌዴራል ዘይፍታሕ? ናይ ግጨው ጉዳይ ብእዋኑ መፍተሒ ዘይምረካቡ ( ህወሓትን ብአዴንን) ዝነበረ ሽግር ንምንታይ ብማዕረ ቀርቡ? ጉድለት ምክፋል ዶ አይኸዉንን?

● ትግራይ ክልል ናይ ወልቃይት ሕቶ አይቀረበለይን ዝብል ሽፍጥ እዩ፡፡ ናይ ወልቃይት ሕቶ ዋላ 5% አይኹን ንዙይ ዝለዓሉ ሰባት ከምዞሎው ይፈልጥ እዩ፡፡ ፖለቲካሊ ተርእዩ መፍትሔ ክንዲ ምሃብ ብሰላማዊ ሰልፊ ንምዕፍን እዩ ተሞክሩ እዙይ ድማ ፀረ ዲሞክራሲያዊ ተግባር እዩ፡፡ ንዙይ ዘልዓሉ ዝተፈላለዩ ወልቀ ሰባት ተአስሮም እዮም፡፡ ንአብነት፤ ናብ ፌዴሬሽን ክጠርዑ ዝመፁ ዝነበሩ አብ ፍቸ ተአሲሮም እዮም ዝብል ብናይ ቢአዴን ብፆት ቀሪቡ እዩ፡፡